Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መሊስካ ህንፀት ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መሊስካ ህንፀት ሓገዝ ንኽገብር መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ደመቀ መኮንን መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ኣመልኪቶም ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኣምባሳደራትን ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲን ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን፥ መንግስቲ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናብ ወፍሪ ምኅባር ሕጊ ዝኣተወሎም ቀንዲ ቀንዲ ምኽንያታት ኣብሪሆም፡፡

እቲ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣብ ሓፂር እዋን ዝተዛዘመን ሽቱኡ ዝወቕዐ ከምዝነበረን ገሊፆም፡፡

ድሕሪ ምዝዛም እቲ ወፍሪ ድማ ኣብቲ ክልል ግዚያዊ ምምሕዳር ብምጥያሽ ናብ መሊስካ ህንፀትን ከምዝተኣተወ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ በይናዊ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ፥ “ኣብቲ ክልል ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ብግቡእ ሓገዝ ንምብፃሕን ሓረስቶት ብእዋኑ እታወት ሕርሻ ንምብፃሕን ተሓሲቡ ዝተወሰነ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ሓገዝ ዝደልዩ ወገናት ዕለታዊ ምግቢን ሰብኣዊ ሓገዝን ንምብጻሕ ልዑል ፃዕሪ እናተበረ ይኹን እምበር፥ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ማሕለኻ እናፈጠረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ብናይ ሕሶት ሓበሬታ መናእሰይ ብምጉስጓስ ሰላም እቲ ክልል ይህውኽ ኣሎ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ጉጅለ ብዝፈጥሮ ራዕዲ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ከምዝወሰኸ ኣገንዚቦም፡፡

ኣይተ ደመቀ ኣብ መብርሂኦም፥ እቲ ጉጅለ ሕዚ እውን ትንኮይኡ ዝቕፅልን ዘየቋርፅን እንተኾይኑ መንግስቲ ከምዘይዕገስን ሕጊ ናይ ምኽባር ስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምፅራይ፥ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰለ ኢትዮጵያን ብሓባር እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ዓለም ለኸ ትካላት እውን ዘይሻራዊን ተኣማኒን ፀብፃብ ንኽወፅእ ዝገብረኦ ፅንቶ ጠጠው ንኸብሉ ሓቲቶም፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ መሊስካ ህንፀት ሓገዝ ንኽገብርን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክትን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

ብፋሲካው ታደሰ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.