Fana: At a Speed of Life!

ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ፍልጠት ዝተመሰረቱ ስራሕቲ ወሰንቲ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ

ኣዲስ ዘበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ኣብ ፍልጠት ዝተመሰረቱ ስራሕቲ ምውጋን ቅድሚት ትኹረት ዝወሃቦ ተግባር ከምዝኾ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ኣይተ ቸሩጌታ ገነነ ገሊፆም።

ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ሚኒስቴር ሰላም ዘምፅኡዎ ለውጢታት ንምፍላጥ ኣብ ዘፅነዖ መፅናዕቲ ተወሳኺ እታወ ት ንምትእኽኻብ ዘኽእል መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ እቲ ቤት ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ኣብ ህንፀት ሰላምን ካልኦት ዓውዲታትን ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ተዛሪቦም።

ስራሕቲ ህንፀት ሰላም ብሓደ ትካል ጥራሕ ዝውገን ስለዘይኮኑ ንኹሉ ዘማእኸሉ ኢዮም ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ኣብታ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ኣስተዋፅኦ መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልል ሶማሌ ኣይተ ደይብ ኣህመድኑር ብግደኦም÷ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ብሓባር ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.