Fana: At a Speed of Life!

ዝሐሸ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ንዘሃቡ 10 ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ፌዴራል ኣፍልጦ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ሽልማት ፅሬት ኢትዮጵያ ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴሪኢ ብምዃን ዘሰናድኦ መዛዘሚ መደብ ፍሉይ ውድድር ፅሬት ኣገልግሎት ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከይዲ ኣወሃህባ ፅሬቶም ተመዚኑ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንዘሃቡ 10 ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ፌዴራል ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም።

ካብ ሞንጎ እቶም 10 ትካላት ሰራሕተኛታት ትካላት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ብዘሐሸ መልክዑ ፅሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ምሃብ ስለዝኸኣለ ፍሉይ ተሸላሚ ኮይኑ።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቲቪ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ሜዲካል ኮሌጅ ሚሊኒየም ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ተሸለምቲ ልዑል መዓርግ ኮይኖም።

በዓል መዚ ፍርያት ዕዳጋ ኢዮጵያ፣ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፣ ሚኒስቴር እቶትን ኮሚሽን ጉምሩኽን ተሸለምቲ መዓርግ ኮይኖም።

ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ድማ ምስክር ወረቐት ተሳትፎ ዝወሰደ እንትኸውን፥ ሓደ ሽሙ ዘይተፀርሐ ትካል ትሑት ኣፈፃፅማ ነይሩዎ ተባሂሉ።

ዕዱም ጋሻ እቲ ፕሮግራም ዝነበሩ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ከምዝበሉዎ፥ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ብፅሬት እንትዕጀብ ንሓፈሻዊ ሃገራዊ ምዕባለ ወሳኒ ኢዩ።

ክሳብ ሕዚ ኣብቲ ዓውዲ ዘጋጥሙ ፀገም ተግባራት ትልሚ ንምፍታሕ ብትኹት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣካቢ ቦርድ ትካል ሽልማት ፅሬት ኢትዮጵያን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ፕሮፌሰር ጣሰው ወልድሃና ብግደኦም፥ ዝተጀመረ ሃገራዊ ለውጢ ኣንፈት ክሕዝ ዝኽእል ክፍለ ኢኮኖሚ ብግቡእ ምድጋፍ ዝኽእል ዘፈር ወሃቢ ኣገልግሎት መንግስቲ እንትህሉ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.