Fana: At a Speed of Life!

ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ይወስኽእ ምበር ቁፅሪ ተጠቀምቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምንካዩ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ይወስኽእ ምበር ቁፅሪ ተጠቀምቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምንካዩ ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ብምትሕብባር ሚኒስትር ጥዕናን ቢሮ ጥዕና ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ዝዓለመ ስነ-ስርዓት መጀመሪ ወፍሪ “ክነገልግሎም ማስክ ይግበሩ” ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መጀመሪ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም፡፡

ምርመራ ቫይረስኮሮና ካብ ዝገብሩ ሰባት፥ ልዕሊ 10 ካብ ሚኢቲ እቲ ቫይረስ እናተረኸቦም ከምዝኾነ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን፡፡

ዝርገሐ እቲ ቫይረስ እናወሰኸ ይኹን እምበር ቁፅሪ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን እናነከየ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.