Fana: At a Speed of Life!

ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዝነብረሉ ዞባ ጥራሕ ክንቀሳቀስ ከምዝኽል ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ክልል ትግራይ ገሊፁ  

አዲስ አበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ምምሕያሽ ገይሩ።

እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ትማሊ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ኣብ ውሽጢረዳ ጥራሕ ተወሲኑ ዝነበረ ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ናብ ዞባ ኸዓቢ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዝነብረሉ ዞባ ካብን ናብን ክንቀሳቀስ ከምዝኽል ተፈቒዱ ኣሎ።

ሰባት ኣብ ዝነብሩሉ ዞባ እንትንቀሳቐሱ ድማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይተጠቐሙ ናብ መነሃርያ ክኣትዉ ይኹን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ክንቀሳቀስ ኣይኽእሉን ተባሂሉ።

ኣብ መእተውን መውፅእን በሪ መናሃርያታት ሕድሕድ ዝኣቱ ይኹን ዝወፅእ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃሙ ተረጋጊፁ ብሰብ ሞያ ጥዕና ሽሙ፣ ኣድራሻኡ፣ ካበይ ናበይ ይጉዓዝ ከምዘሎ እናተመዝገበ ሙቀቱ ክልካዕ፣ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ ናብ መዕቆቢ ንክኣቱን ምርመራ ሕክምና ክግበረሉን ግቡእ ከምዘለዎ እውን እቲ ኮማንድ ፖስት ኣፍሊጡ።

ተሳፈርቲ ኣብ ሓንቲ ወንበር ሓደሰብ ጥራሕ ንኽቕመጥ ከምዝተወሰነ ዝገለፀ እቲ ካማንድ ፖስት፥ ካብ ዝተፈቐደ ዓቐሚ ምፅዓን ሰባት 50 ሚኢታዊ ጥራሕ ንኽፅዕኑን ታሪፍ ብዝምልከት ድማ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ክልል ትግራይ ግዚያዊ መምርሒ ኣውፂኡ ኣብ ስራሕ ከውዕል ከምዝኽእልን ኣገንዚቡ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ውሳነ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ (Covid-19) ንምክልኻል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ኣውፂኡ ኣብ ስራሕ ኣውዒሉ እዩ፡፡ እዚ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብኣዋጅ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 347/2012 ኣፅዲቕዎ እዩ፡፡

ብመሰረት ዓንቀፅ 5 ንኡስ ኣንቀፅ (4) ፊደል (ለ) ድንጋገ ህፁፅ እዋን ግብረ ሓይሊ በቢ እዋኑ ብዘቅረቦ ውሳነ ሓሳብ ኮማንድ ፖስት ኣብ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ዝተቐመጡ ግቡኣት ክቕነሱ፣ ካልኦት ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎም ተወሰኽቲ ግቡኣት ክውሰኹ ክውስን ከምዝኽእል ብግልፂ ተቐሚጡ እዩ፡፡

ስለዝኾነ ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ (Covid-19) ንምክልኻል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ኮነ ነዚ ድንጋገ ስዒቦም ዝወፁ መምርሕታትን ውሳነታትን ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ መሰረታዊ ትሕዝትኦም ሕልዊ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዞባ ዝግበር ምንቅስቃስ ሰባት ምፍቃድ ኣድላይ ምዃኑ ስለዝተኣመነሉ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ 04 ጉንቦት 2012 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባ ዝስዕብ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ ኣሎ፡፡

  1. ኣብ ዓንቀፅ 5 ንኡስ ኣንቀፅ (1) ፊደል (መ) ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ (Covid-19) ንምክልኻል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ኣብ ውሳነ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ቁፅሪ 13/2012 ኣብ ውሽጢ ትግራይ ካብን ናብን ምንቅስቃስ ሰባት ዝምልከት በዚ ውሳነ እዚ ተመሓይሹ ዝኾነ ሰብ ኣብ ውሽጢ ዝነብረሉ ዞባ ጥራሕ ክንቀሳቀስ ይኽእል፣
  2. ብመሰረት እዚ ውሳነ መበል ቁፅሪ 1 ዝኾነ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይተጠቐመ ናብ መነሃርያ ክኣቱ ይኹን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ክንቀሳቀስ ኣይክእልን፣
  3. ኣብ መእተውን መውፅእን በሪ መናሃርያ ሕድሕድ ዝኣቱ ይኹን ዝወፅእ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃሙ ተረጋጊፁ ብሰብ ሞያ ጥዕና ሽሙ፣ ኣድራሻኡ፣ ካበይ ናበይ ይጉዓዝ ከምዘሎ እናተመዝገበ ሙቀቱ ክልካዕ፣ ኣድላይ ኮይኑ እንተተረኺቡ ናብ መዕቆቢ ንክኣቱን ምርመራ ሕክምና ክግበረሉን ግቡእ ኣለዎ፣
  4. ኣብ ውሽጢ ሓደ ዞባ ንዝተፈቀደ ምንቅስቃስ ሰባት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዝህባ መኻይን ዝምልከት ካብ መናሃርያ ወፃኢ ምፅዓን ክልኩል ኮይኑ ዘዋርን ሓጋዚኡን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ጓንቲ ኢድን ክጥቀሙ፣ ቅድምን ድሕርን ሰብ ምፅዓኖም መቐመጢ ወናብር መኪነኦም ብኬሚካል ከፅርዩ (ዲስኢንፌክት ክገብሩ) ሕድሕድ ተሳፋሪ ናብ መኪና ቕድሚ ምእታዉ ሳኒታይዘር ክጥቀሙ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይተጠቐመ ሰብ ከይሳፈር ክኽልክሉ፣ ኣብ ሓንቲ ወንበር ሓደ ሰብ ጥራሕ ዝቕመጥ ኮይኑ ካብ ዝተፈቐደ ዓቐሚ ምፅዓን ሰባት 50% ጥራሕ ክፅዕኑ፣ ዝኾነ ተሳፋሪ ኣብ ውሽጢ መኪና ዝጥቀመሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይቀልዕ ክከታተሉ ብሓባርን ብተናፀልን ግቡእ ኣለዎም፣
  5. ንዝተፈቐደ ምንቅስቃስ ሰባት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዝህባ መኻይን ዝኽፈል ታሪፍ ዝምልከት ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን ትራንስፖርትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግዚያዊ መምርሒ ኣውፂኡ ኣብ ስራሕ ከውዕል ይኽእል፣
  6. ኣብ ውሽጢ ከተማታት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ህዝቢ ዝህባ መኻይን፣ ታክሲታት፣ ባጃጃት፣ ንሰራሕተኛታት ኣገልግሎት ትራንስፖርት ዝህባ መካይን ዝምልከት ዘዋሪን ሓጋዚኡን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ጓንቲ ኢድን ክጥቀሙ፣ ቅድምን ድሕርን ሰብ ምፅዓኖም መቐመጢ ወናብር መኪነኦም ብኬሚካል ከፅርዩ (ዲስኢንፌክት ክገብሩ) ሕድሕድ ተሳፋሪ ናብ መኪና ቕድሚ ምእታዉ ሳኒታይዘር ክጥቀሙ፣ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዘይተጠቐመ ሰብ ከይሳፈር ክኽልክሉ፣ ኣብ ሓንቲ ወንበር ሓደሰብ ጥራሕ ዝቕመጥ ኮይኑ ካብ ዝተፈቐደ ዓቐሚ ምፅዓን ሰባት 50% ጥራሕ ክፅዕኑ፣ ዝኾነ ተሳፋሪ ኣብ ውሽጢ መኪና ዝጥቀመሉ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ከይቀልዕ ክከታተሉ ብሓባርን ብተናፀልን ግቡእ ኣለዎም፣
  7. ኣብዚ ውሳነ መበል ተራ ቁፅሪ 1 ዝተቐመጠ እንተሃለወ እውን መንግስታውን ዘይመንግስታውን ክልላዊ ኣብያተ ዕዮ ናብ ዞባታትን ወረዳታትን ተንቀሳቂስካ ንምስራሕ ዘገድድ ኩነታት እንተሃልይዎም ብሓላፊ ወይ ምክትል ሓላፊ ቤት ዕዮ ብዝተፈረመ ደብዳበ ካብ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ከተማ መቐለ ይሓቱእንትፍቀድ የንቀሳቅሱ፣
  8. ካብ ሓደ ዞባ ናብ ካሊእ ዞባ ተንቀሳቂስካ ንምስራሕ ዘገድድ ኩነታት እንተጋጥም ካብ ቤት ፅሕፈት ፀጥታን ምምሕዳርን ዞባ ብዝወሃብ ፍቃድ ይፍፀም፣
  9. ኣብዚ ውሳነ መበል ተራ ቁፅሪ 1 ዝተቐመጠ እንተሃለወ እውን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዓብይ ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ዘለዎ ሰብ ኣብቲ ፕሮጀክት ብኣካል ተረኺቡ ክሰርሕ ወይ ብዓል ሞያ ከሕልፍ እንትደሊ ነዚ ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ብቐረባ ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤትዕዮ ናብ ቢሮ ፀጥታን ምምሕዳርን ደብዳበ ደገፍ ይፅሕፈሉ፣ ብመሰረት እዚ ደብዳበ ምስተፈቕደሉ ክንቀሳቀስን ብዓል ሞያ ከሕልፍን ይኽእል፣ ፍቃድ ዝተውሃቦ ኢንቨስተር ይኹን ብዓል ሞያ ኣብ ካሊእ ቦታ ከይንቀሳቀስ ብቀጥታ ናብቲ ፕሮጀክት ይኣቱ፣ ን14 መዓልታት ካብ ውሽጢ እቲ ፕሮጀክት ክወፅእ ኣይኽእልን፣ ኣብውሽጢ እቲ ፕሮጀክት ምስ ሰባት ዝህልዎ ርክብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ጓንቲ ኢድን ክጥቀም፣ ብሰብ ሞያ ዝወሃቦ ጥዕና ዝወሃቦ መምርሒ ከኽብርን ኣድላይ እንተኾይኑ ናብ መዕቆቢ ክኣቱን ንምርመራ ክተሓባበርን ግቡእ ኣለዎ፣
  10. ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ንኣከፋፈልቲ ጅማላ ምሻጥ ሲሚንቶ ጠጠው ኣቢሉ ኣብዚ ህፁፅ እዋን ንዝተፈጠረ ፀገም ኣቐርቦት ሲሚንቶ ቀፂሉ ብሕጊ ዝረጋገፅ ተሓታትነት ሕሉው ኮይኑ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ብቀጥታ ንተጠቀምቲ ንከቕርባ ብዝምልከቶም ኣካላት ተወዲቦም ካብ ቢሮ ልምዓት ከተማን ንግድን ኢንዳስትሪን ናብቲ ፋብሪካ ደብዳበ ደገፍ ንዝተፅሓፈሎም ማሕበራትን ተመሳሳሊ ዕላማ ንዘለዎም ኣካላትን ንክሸይጥ ግቡእ ኣለዎ፣
  11. ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ፋብሪካ መሰቦ ኮነ ካብዚ ፋብሪካ ወሲዱ ዘከፋፍል ዝነበረ ትካል ወይ ሰብ ብመሰረት ቀዲሙ ተኣሲሩ ዝፀንሐ ውዕሊ ብምኽንያት እዚ ውሳነ ግቡኡ ክፍፅም ብዘይምኽኣሉ ብሕጊ ተገዲዱ ንክፍፅም ከመኡ እውን ካሕሳ ይኹን ወለድ ንክኸፍል ኣይግደድን፣
  12. እዚ ውሳነ ካብ 06 ጉንበት 20123 ዓ/ም ጀሚሩ ተፈፃሚ ይኸውን፣
  13. ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ ተቓላዕነት ለበዳ ሕማም ኮረና ቫይረስ ገምጊሙ ነዚ ውሳነ ኣብ ዝኾነ እዋን ከመሓይሾ ወይ ክስርዞ ይኽእል፡፡

ዝምልከቶም ኣካላት ነዚ ውሳነ ብጥብቂ ንክትግብሩ መምርሒ ተዋሂቡ ኣሎ፡፡ ነዚ ውሳነ ብምጥሓስ ካብ ዝተፈቐደ ከባቢ ወፃኢ ዝተንቀሳቀሰ ወይ ሰብ ዘጓዓዓዘ፣ ኣብዚ ውሳነ ንዝተቀመጠ ግቡእ ዘይረኸበ ሰብ ወይ ትካል ከከም ኣግባብነቱ ኣብ ትሕቲ ዓንቀፅ 21 ህዝቢ ካብ ተላባዲ ሕማም ኮረና ቫይረስ (Covid-19) ንምክላኻል ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ዝተቐመጡ ቅፅዓታት ተፈፀምቲ ይኾኑ፡፡

ዶ/ር ደብረፂዮን ገ/ሚካኤል
ኣካቢ ኮማንድ ፖስት መኸተ ኮረና ቫይረስ

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ
መቐለ፡ 06 ጉንበት 2012 ዓ.ም

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.