Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ተምሃሮ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 5 ሺሕን 600 ተምሃሮ ብ“ቨርችዋል” ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብገፅ ንገፅን ኦንላይንን ዘምሃሮም ተምሃሮ ኢዩ ኣብ ቀፅሪ “ስድስት ኪሎ” ሎሚ ኣመሪቑ።

ዕድምቲ ጋሻ እቲ ዕለተ ምርቓት ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፥ ተመረቕቲ ኣብ ቀፃሊ ምዕራፍ ህይወቶም ኣብ ህዝብን ሃገርን ለውጢ ንምምፃእ ብዝለዓለ ሓላፍነት ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ ኢለን።

እቶም ተምሃሮ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ስነስርዓት ምረቐኦም ኣብ ኣዳራሽ ምግባር ከምዘይተኽኣለ ዝገለፃ እተን ፕሬዚዳንት፥ ብተናፀል እውን እንተኾነ “እንኳዕ ደስ በለኩም!” ኢለን።

እቲ ሕማም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን ዝነበሩ ጥንቃቐታት እናተዘሓሓሉ ብምምፅኦም ሐዚ ዋጋ ንኽፍል ምህላውና ብምግላፅ፥  በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ቁፅሮም ይንህር ምህላዉ እውን ኣረዲአን።

ስለዝኾነ ተመረቕቲ ፀገም ኣብ ዝፈትሑ ተግባራት ንክሳተፉ ምዒደን።

ተምሃሮ ብብርኪ ሃገር ካብ ቫይረስ ኮሮና ብተወሳኺ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ንዝጠፍእ ህይወት ሰብ ኣብ ምድሓን ዝተፈየ ግደ ከምዘለዎም ፈሊጦም እጃሞም ንክዋፅኡ ኣተሓሳሲበን።

ፕሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ጣሰው ወልደሃና ብግደኦም፥ እቲ ዩንቨርስቲ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ዝውዕል 10 ሚሊየን ብር ብምብጃት ስራሕቲ ምርምርን መፅናዕቲን የካይድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ኣብ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዝገብር ኣማኻሪ ጉጅለ ምሁራን ከምዝተጣየሸ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዓውዲ ዝግበር ድጋፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

ካብ መንጎ እቶም ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ እቶም ልዕሊ 2 ሺሕን 270 ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ቅድሚ ምግጣሙ መፅናዕታዊ ፅሑፎም ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ 3 ሺሕን 372 ድማ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት መፅናዕታዊ ፅሑፎም ከምዘቕረቡ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.