Fana: At a Speed of Life!

ዶክተር ኣሚር ኣማን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን ክልል ሶማሌ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ኣሚር ኣማን ምስ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ክልል ሶማሌ ብምዃን ኣብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ወረዳታትን እቲ ክልል ዑደት ስራሕ ኣካይዶም።

እቲ ዑደት፥ ኣብ ዞባታት ጎዴን ሸበሌን ከምኡ እውን ኣብ ወረዳ ቀላፎን ኢዩ ተካይዱ።

ኣብ እዋን እቲ ዑደት ድማ ኣብተን ከባቢታት ዘሎ ኩነታት ጥዕና ሕብረተሰብ፣ ትካላት ጥዕናን ቀረብ ተንቀሳቓሲ ሕክምናን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጎዴ ሕክምና ኣዶታትን ህፃናትን ኣብ ሓደ ምእኸል ብዝተማልአ መልክዑ ንኸወሃብ ዘኽእል ሙሉእ ወፃኢ ብምሽፋን ንምሕዳስ ተስማዕሚዖም።

ብተወሳኺ ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ጥሕና፣ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልልን እቲ ሆስፒታልን መመርመሪ መሳርሒታት ዓይኒን ልቢን፣ ኣልትራሳውንድን ራጅን ተዛመድቲ ፈንድ ንመግዛእ ኣብ ስምምዕነት ምብፅሑ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.