Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ልኡኽ ኒጀር፣ ታንዛኒያ፣ ዛምቢያን ኮትዲቫርን ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ  ኒጀር፣ ታንዛኒያ፣ ዛምቢያን ኮትዲቫርን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ልምዓት ዑደት ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቀባብላ ገይሮምሎም፡፡

ካብ ኒጀር፣ ታንዛኒያ፣ ዛምቢያን ኮትዲቫርን ዝተውፃእፅኡ፤ ካብ ስራሕቲ ሕርሻ፣ ካብ ሃፍቲ ዓሳን እንስሳትን፣ ኣናእሽተይን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛትን ካልኦትን ትካላት ዝወከሉ ሚኒስተራትን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ዝሓቖፈ ጉጅለ ልኡኽ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ መዓልትታት ኣብ ዝገብርዎ ዑደት ስራሕ÷ ምንቅስቓሳት ልምዓት ተዘዋዊሮም ከምዝዕዘቡ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.