Fana: At a Speed of Life!

ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ንምጥንኻር ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢዩ- ሌ/ል ጄ/ል መሰለ መሰረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሆሮ ጉድሩ ዞባ ወለጋ ዝርከብ ጉጅለ ገብረ ራዕዲ ሸኔ ንምጥፋእ ምውዳድን ምትሕብባርን ኣመራርሓ ኣድላዪ ኢዩ ክብሉ ኣዛዚ ምዕራብ እዚ  ሌተናል ጄኔራል መሰለ መሰረት ገሊፆም።

ሌተናል ጄኔራል መሰለ መሰረት ኣብ ዞባ ሆሮ ጉድሩ ወለጋ ብምርካብ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ዞባ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ግብረ ፀረ ሰላም ሓይሊ ራዕዲ ሸኔ  ንምጥፋእ ምውዳድን ምትሕብባርን ኣመራርሓ ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ብመንግስቲ ዝቐረበሉ ኣማራፂ ሰላም ብምሕሳም ተግባር ሽፍትነቱ ኣጠናኺሩ ምቕፃሉ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ሰራዊት ምስ ህዝቢ ብምዃን ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ቀትሪን ለይቲን ብምስራሕ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ምግላፆም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.