Fana: At a Speed of Life!

ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባብታት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈላለዩ ከባብታትን ኣይወፅአን-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባብታት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝተፈላለዩ ከባብታትን ከምዘይወፀ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ  ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምድንጋር ብወራር ካብ ዝሓዞም ከባቢታት ከምዝወፀ ይዛረብ ኣሎ።

ይኹን እንበር ሐዚ እውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ብወራር ካብ ዝሓዞም ዓዲአርቃይ፣ ፀለምቲ፣ ኣበርገሌን ካልኦትን ኣውወፅአን።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ዓፋር፥ ወረዳታት   በራሕለ፣  ኮኖቫ፣ ኣብዓላ፣ መጋሌ ኣይወ’ን ኢሎም።

ከም እቶም ሚኒስትር ገለፃ ፥ ምንቅስቓሳት ቅልጡፍ ሓገዝ ንምግባር መንግስቲ ካብ ሓገዝቲ ትካላት ዝለዓሉ ሕቶታት ፈቲሑ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 165 መኻይን መቐለ ከምዝኣተዋ እውን ኣብቲ መግለፂ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ መጠን ትካላት ኣቕረብቲ ሓገዝ ምቕራብ ዝኽእልዎ ሓገዝ ንከቕርቡ ልዑል ፃዕሪ አንተገበረ እውን፥ ብአንፃሩ  ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ስራሕቲ ምጉዕዓዝ ሓገዝ ንከይሳለጥ ዕንቅፋት ይኸውን ኣሎ ኢሎም።

ሓገዝ ንምስላጥ ክበሃል ካብ ዓፋር ወፃኢና ኢና ብዝብል ዝናፈስ ወረ መሰረተ ቢስ ኢዩ ኢሎም።

ብኻሊእ መዳይ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት፥ መንግስቲ ናብ ትግራይ ሓገዝ ንከይቐርብ የተኣጓጉል ኣሎ ፤ “ኣብ ክባ ብምእታው ትግራይ ብጥምየት ይቐፅዕ ኣሎ” ብዝብል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምውዛዕ መንግስቲ ይኸስስ ኣሎ ኢሎም።

ይኹን እንበር ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብሓይሊ ወረሪ ተቖፃፂሩነበርቲ ብምምዝባል ንስቓይ እናዳረገ ተኸቢበ፣ ጠምየ ወዘተ ዝብል ዝተለመደ ድራማ ፈፂሙ ተቐባልነት ኣይብሉን ኢሎም።
”እቲ ከባቢ ንምኽፋት  ናይ ግድን ናብ ኵናት ክኣቲ ይግደድ”  ብዝብል ነጋሪት ኵናትን ፍከራን ዳግማይ መናእሰይ ትግራይ ንምጭፍጫፍ ከምዝኾነ እውን ኣፍቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.