Fana: At a Speed of Life!

ጋዜጠኛታት ድምፂ ወያነ (DW international) መደብ ቋንቋ ኦሮሚኛ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ጋዜጠኛታት ድምፂ ወያነ (DW international) መደብ ቋንቋ ኦሮሚኛ ንህዝቢ ይቕሬታ ሓቲቶም።

ልሳን እቲ ጉጅለ ጁንታ ዝነበረ ቴሌቪዥን ድምፂ ወያነ፥ ኣብቲ ጣቢያ ቅድሚ ኣዋርሕ ፈነወ ቋንቋ ኦሮሚኛ ብምጅማር ናይ ሓሶት ዜናታትን ብመርህ ጋዜጠኝነት ፀያፍ ዝኾኑ ኣብ ህልውና ሃገር ፅዕንቶ ዝፈጥሩ ተግባራት እናፈፀመ ፀኒሑ ኢዩ።

ብመደብ ቋንቋ ኦሮሚኛ እናሰርሑ ካብ ውሽጢ ዝነበሩ 4 ጋዜጠኛታት እቶም ሰለስተ ግርማ ጉዲሳ፣ ካሊድ ኣድቡልፈታን ሙስጠፋ ቃሊዩን 15 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ብፍቓዶም ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ቢሮ ሚዲያን ምርመራ ገበንን ዝነበረ ነገር ኣረዲኦም ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

እቶም ጋዜጠኛታት ከምዝገለፁዎ ድማ ምልክታ ክወፅ ከሎ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ቋንቋ ኦሮሚኛ ስለዝጅመር ብዝብል እንትኸውን፥ ኣብ እዋን ፈተና እውን ምስሊ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ዝሃንፁ ምድላዋት ዘድሃበ ንክሰርሑ ከምዝተነገሮም ተዛሪቦም።

ናብ መቐለ ምስተጓዓዝና ግን ኣብ ድምፂ ወያነ ተመዲብና ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ክዕምፁ ምግባርን ሕድሕድ ጎንፂ ኣብ ምፍጣርን ዘድሃበ ፅሑፍ እናተውሃቦም ብግዲ እናቕረቡ ምፅነሖም ገሊፆም።

ኣብ ፈነወኦም ብምኽንያት ኮቪድ-19 ዝተናወሐ ሃገራዊ መረፃ ምቅዋም፣ ሽልማት ኖቤል ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ግቡእ ኣይኮነን ኢልካ ንኽስረዝ ምፅር፣ ኩሉ ምንቅስቓስን ተግባርን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብተፃራሪ መልክዑ ብሕማቕ ጎኒ ትንታነ ኣብ ምሃብ ብምትኳ ብቋንቋ ኦሮሚኛ ንኸቕርቡ ይግደዱ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እቲ ጣቢያ ካብ ከተማ መቐለ ናውቱ ፅዒኑ ጋዜጣታት እውን ኣገዲዱ ብምውሳድ ናብ ዘይፈልጡዎ ቦታ ብምውሳድ ኣብ ዝበፅሑዎ ኩሉ ፈነወ ንምጅማር እናፈተነ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝበፅሖ መጥቃዕቲ ብምሕያሉ፤ እቲ ጁንታ ምህዳም እንትጅምር እቶም ጋዜጠኛታት ነዊሕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባር ናብ መቐለ ተመሊሶም ብፍቓዶም እቲ ሓበሬታ ሂቦም ኢሎም ኢሉ እቲ ኮሚሽን።

እቶም ጋዜጠኛታት ምስቲ ጉጅለ ብምዃን ንዝሰራሕናዮ ሕማቕ ተግባር ህዝቢ ይቅርታ ይግበረልና ምባሎም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.