Fana: At a Speed of Life!

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዳግም ወረራ ንምፍፃም ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ብፀረ-ህዝቢነቱ ምቕፃሉ ዘረጋግፅ እዩ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘው ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ግንቦት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ኣጎራበቲ ትግራይ ዘለዋ ክልላት ዳግም ወረራ ንምፍፃም ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ካብ ስሕተቱ ዘይምምሃሩን ፀረ-ህዝቢነቱ ዝቐፀለሉ ምዃኑ ዘረጋግፅ ከምዝኾነን ዘርኢ እዩ ክብሉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣይተ ኣገኘው ተሻገር ተዛሪቦም።

ንህዝቢ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ከይኾን እቲ ጉጅለ ንምትእጉጓል ዝገብሮ ሰብኣዊነት ዝጎደሎ ተግባር ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ንኽገብረሉ ሓቲቶም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ምስ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት “ኣነ ጥራሕ ዘይመርሓ ኢትዮጵያ ትፍረስ” ኢሉ ብምልዓል ብቓልሲ ህዝቢ ጋህዲ ዝኾነ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ይፅዕር ከምዘሎ ገሊፆም።

ዓለም ለኻዊ ትካላት ብዝተሳለጠ ሰብኣዊ ድጋፍ ተበፃሒ ምግባር ንኽኽእሉ መንግስቲ ብቆራፅነት ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም፡፡

ይኹን እምበር እቲ ጉጅለ ኣብ ኣጎራበቲ ክልላት ትግራይ ዳግም ወረራ ንምፍፃም ኣብ ምድላው ምህላዉ ኣብ ኣደባባይ ኣብምግላፅ ከምዝርከብን ዓለምለኻዊ ሚድያታት ከይተረፋ የቃልዐኦ ከምዘለዋን ገሊፆም፡፡

ብኲናት ንዝተጎድኡ ከባብታት ንሓረስቶት ናይ ዘርእን መዳበርን ቀረብ ተበፃሒ ንምግባር ይስራሕ ምህላዉ ጠቒሶም÷ ኣብ ትግራይ ንስራሕቲ ሕርሻ ኮነ ንሰብኣዊ ቀረብ ዕንቅፋት ይኾን ኮይኑ ከምዝቐጸለ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ትግራይ ካብ ህፃናት ክሳብ ሽማግለታት ንኲናት የገድዶም ከምዘሎ ተዛሪቦም÷ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ተግባሩ ክቃወሞን ብግልፂ ክኹንኖን ይግባእ እዮም ዝበሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.