Fana: At a Speed of Life!

ጎንፂ መተከል ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ንመፍትሒኡ ምስራሕ ይግባእ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ጉባኤ ትካላት ሃማኖት ሃይማኖትን ጥምረት መማኸርቲ ዓበይቲ ዓዲን ምስ ዓበይቲ ዓዲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ተዛቲዮም፡፡

ተወካሊ እቶም ሽማግለታት ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሰ፥ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ዓሸራ ኢትዮጵያውያን ዝዓረፈሉ ፕሮጀክት ግድብ ህዳሰ ዝርከበላ ክልል ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡

“ክልል ቤኒንሻንጉል መበሰሪት ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኢያ፤ ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ ጎንፂ ንኽለዓል ዝግበረሉ ምኽንያት እውን እዚ ኢዩ” ኢሉ፡፡

እቲ ፕሮጀክት እንተተዓናቒፉ ቀዳማይ ተጎዳኢ ናይ ቀረባ ተረባሒ ዝኾነ ህዝቢ እቲ ክልል ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ፡፡

ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እንትዘዋወሩ ኣብ በቢቦትኡ ዝፍጠሩ ጎንፂታት ዘላቒ መፍትሒ ንኽህልዎም ኣመራርሓታት ብሓላፍነት ንኽሰርሑ ሕቶ ከምዘልዕል እውን ኣብሪሁ፡፡

ምክትል ኣካቢ ጉባኤ ትካላት ሃማኖት ሃይማኖትን ጥምረት መማኸርቲ ዓበይቲ ዓዲን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ብግደኦም፥ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ብምኽንያት ግድብ ህዳሰ ትኹረት ዓለም ስሒቡ ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብቲ ክልል ትምህርቲን መሰረተ ልምዓታትን ዘይረኸቡ ነበርቲ ህይወቶም ዝቕይር ኢዩ ዝበሉ ፕሮፌሰር መስፍን፥ ሕብረተሰብ ኣብቲ ክልል ተደጋጋሚ ጎንፂ ንኽለዓል ዝገበር ነገር ተረባሒ እቲ ልምዓት ከይኸውን ንምግባር ምዃኑ ክርዳእ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም፡፡

ላዕለዋይ ሓላዊ ጉባኤ ሃይማኖታት ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር፥ ወዲ ሰብ ብሰብነቱ ክኽበር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እዛ ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ፈተና ኢያ ዘላ ዝበሉ እቶም ጉባኤ ትካላት ሃማኖት ሃይማኖትን ጥምረት መማኸርቲ ዓበይቲ ዓዲን፥ ሞትን ስደትን ጠጠው ንኽብል ብሓደ ሓሳብ ክስራሕ ይግባእ ክብሉ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.