Fana: At a Speed of Life!

ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 51 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ፍርያታት ኣተዓዳዲጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ልዕሊ 51 ሺሕ ሜትሪክ ቶን ፍርያት ግብርና ብልዕሊ በ4 ነጥቢ 4 ቢሊየን ብር ምትዕድዳጉ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብ ሞንጎ እዚ 17 ሺሕን 690 ቶን ቡን፤ 15 ሺሕነ 445 ቶን ሰሊጥ፣ 3 ሺሕን 24 ቶን ፀዓዳ ኣዳጉራ፣ 4 ሺሕን 731 ቶን ኣኩሪ ዓተር፣ 3 ሺሕን 368 ቶን ቆፃል ማሾ፣ 1 ሺሕ 904 ቶን ውርዉራይ ኣዳጉራ፣ 215 ቶን ቀይሕ ኣዳጉራን ሓምሽተ ቶን ዓተር ርግብን ኣተዓዳዲጉ።

ኣብ ሓምለ 2013 ዓ.ም ማእኸላይ ናይ ሓደ ኩንታል ዋጋ ዕዳጋ 7 ሺሕን 235 ብር ዝነበረ እንትኸውን÷ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም 7 ሺሕን 841 ብር ኰይኑ እዩ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር፤ ዋግኡ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ።

ብካልእ ወገን ፀሊም ኣዝሙድ፣ ድንብላል፣ ኣባዕኸን ቁንዶ በርበረን፣ ከምኡ እውን ጓያ ናብ ዘመናዊ ስርዓት ዕዳጋ ብምእታዎም ካብ ዝተትሓዘ ፍርያት ዘመን ጀሚሩ ዕደጋ ከምዝካየድ ካብ ፍርያት ዕዳጋ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.