Fana: At a Speed of Life!

ጠንቂን ምልክታትን ልዑል መጠን ኮሌስትሮል

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌስትሮል ኣብ ደም እንትኸውን፥ መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ደም እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ ኣብ ጥዕና ዘሎ ሓደጋ እውን ብኡ መጠን እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ንሓደጋታት ሕማም ልብን ወቅዒን ከም ዘቃልዕ ይገልፅ። እዚ ማለት ድማ ሰባት ኣብ ዝወስድዎ መጠንን ዓይነትን ኮሌስትሮል ጥንቃቐ ክገብሩ ከም ዘለዎም ኢዩ ዘመላኽት።

ክልተ ዓይነት ኮሌስትሮል ኣለዉ፤ ልዑል ፃዕቒ “ሊፖፕሮቲንስ” (HDL) ከምኡ’ውን ትሑት ፃዕቒ “ሊፖፕሮቲንስ” (LDL)።

ልዑል ፃዕቒ  ሊፖፕሮቲንስ፥ ካልእ ዓይነት ኮሌስትሮል ካብ ደም ንምእላይ ስለ ዝሕግዝ “ፅቡቕ” ኮሌስትሮል ተባሂሉ ይፍለጥ።

እዚ ኣብ ደምና ዘሎ ልዕሊ ዓቐን ኮሌስትሮል ናብ ፀላም ከብዲ ይወስዶ እሞ ኣብኡ ተበታቲኑ ካብ ኣካላትና ከምዝእለ ሰብ ሞያ ሕክምና ይገልፁ።

ልዑል መጠን እዚ ዓይነት ኮሌስትሮል ምስ ትሑት ሓደጋ ሕማም ልቢ ስለዝተኣሳሰር ኣብ ሰብነትና መጠኑ ክውስኽ ምግባር እወታዊ ውፅኢት ከምዘለዎ እውን ይሕበር።

ትሑት ፃዕቂ ሊፖፕሮቲንስ ወይ ሕማቕ ኮሌስትሮል ንጥረ ነገራት ኮሌስትሮል ናብ መላእ ኣካላትና ክዝርግሑ’ዩ ዝገብር። ሕማም ልቢ ከስዕብ ዝኽእል እውን እዚ ዓይነት ኮሌስትሮል’ዩ።

ኣብ ደም ዝርከብ ልዕሊ ዓቐን ኤልዲኤል ኮሌስትሮል ኣብ ሻምብቆታት ደም፥ ማለት ንልብን ሓንጎልን ዝምግቡ ሰራውር ደም ይቕመጥ እሞ ኣብኡ ይድራዕ። ተረርቲን ፀበብትን ክዀኑ ይገብሮም። ድሕሪኡ እዞም ቅብኣታት ምስ ካልኦት ንጥረ ነገራት ተደሚሮም ፅላት ይፈጥሩ። ብድሕሪ’ዚ ሰራውር ደም ክፀቡን ምስ ግዜ ድማ ክዕበሱን ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ድማ ደም መሕለፊ ከፅብቦ ስለዝገብር ናብ ጭዋዳ ልቢ ዝኸይድ ዋሕዚ ደም ከዝሕሎ ይኽእል።

ኣካላትና ዘድልዮ እኹል ኮሌስትሮል ዘፍሪ ብምዃኑ ብተለምዶ ፀገማት ኮሌስትሮል ዝፍጠሩ ተወሳኺ ኮሌስትሮል ዝሓዙ መግብታት ብምምጋብ ኣብ ደም ዝህሉ መጠን ምስ ዝውስኽ’ዩ።

ጠንቂ ልዑል መጠን ኮሌስትሮል እንታይ እዩ?

ንልዑል መጠን ኮሌስትሮል ዘቃልዑ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣለዉ። ዕድመ፣ “ጀነቲክስ”ን ሕማም ሽኮርያን ገለ ካብቶም ጠንቂታት’ዮም።

መብዛሕትኡ ግዜ ግን ጠንቂ ልዑል መጠን ኮሌስትሮል፡ ጥዕና ዘይብሉ ኣነባብራ እዩ። ንኣብነት ጥዕና ዘይብሉ ኣመጋግባ ወይ ብዙሕ ሕማቕ ስብሒ ምብላዕ።

ዝዘቕበበ ስብሒ ምምጋብ’ውን ንልዑል መጠን ኮሌስትሮል ኣበርክቶ ይገብር’ዩ። ዝዘቕበበ ስብሒ መብዛሕትኡ ፈሳሲ ዘይኮነ ትርር ዝበለ ቅብኣት’ዩ። ከም ጠስሚ፣ ዘይቲ ስየን ኮኮናትን፣ ፎርማጆን ቀይሕ ስጋን ዝኣመሰሉ መግብታት ልዑል መጠን ዝዘቕበበ ስብሒ ኣለዎም።

ውፅኢት ፀባ፣ ቸኮሌት፣ ዝተጠብሰ ምግቢ’ውን ኣበርክቶ ይገብሩ’ዮም። ብፍላይ ኣብ ገለ ዝተጠብሱን ዝተመስርሑን መግብታት ዝርከብ “ትራንስ ፋት”፥ መጠን ኤልዲኤል (ሕማቕ) ኮሌስትሮል ክውስኽ ክገብር ይኽእል።

ሽጋራ ምትካኽ፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር፣ ብዙሕ ኮፍ ምባልን ውሑድ ምንቅስቓስ ኣካላትን ምግባር ድማ ኤችዲኤል (ፅቡቕ) ኮሌስትሮል ክንክይ ይገብር።

ምልክታት ልዑል መጠን ኮሌስትሮል

ልዑል መጠን ኮሌስትሮል ዝኾነ ይኹን ምልክት የብሉን። ክፍለጠሉ ዝኽእል እንኮ መገዲ ድማ መርመራ ደም ብምግባር’ዩ።

ኣብ ሓደ ደሲሊተር ክንደይ ዝኣክል ሚሊግራም ኮሌስትሮል ከም ዘሎ ብመርመራ ክፍለጥ ይኽእል።

ኣብ ዓበይቲ ሰባት ትሕቲ 200 ሚግ/ዲኤል ከም ንቡር መጠን ይርአ።

ካብ 200 ክሳብ 239 ሚግ/ዲኤል ከም ዶባዊ ክርአ እንከሎ 240ን ልዕሊኡን ግን ልዑል መጠን ኮሌስትሮል እዩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.