Fana: At a Speed of Life!

ሃገርና ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ትፅቢት ዝግበረልና ኣስተዋፅኦ ብምብርካት ዝተኸበረት ኢትዮጵያ ንወለዶ ክነረክብ ኢና – ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዘመናዊ ህንፀት ሰራዊት ጋህዲ ካብ ምግባር ሓሊፉ ሃገርና ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ትፅቢት ዝግበረልና ኣስተዋፅኦ ብምብርካት ዝተኸበረት ኢትዮጵያ ንወለዶ ክነረክብ ኢና ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም።

ዳይሬክቶሬት ትሕዝቶ መሬት ኣባይቲን ምምሕዳርን ምክልኻል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ራሺያ ካምፕ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዕ ቀፅሪ ዘህነፆ 17 ክፍሊታት ዘለዉዎ መንበሪ ኣባይቲ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ 100 መዓልቲታት ሃኒፁ ብምዝዛም ኣመሪቑ፡፡

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ እቶም ኣባይቲ መሪቖም ኣብ ዝኸፈቱሉ እዋን ኣብ ዝገበሩዎ መደረ፥ ”ዘመናዊ ህንፀት ሰራዊት ጋህዲ ካብ ምግባር ሓሊፉ ሃገርና ዝጀመረቶ ጉዕዞ ምዕባለ ትፅቢት ዝግበረልና ኣስተዋፅኦ ብምብርካት ዝተኸበረት ኢትዮጵያ ንወለዶ ንምርካብ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ኣብውሽጢ ከቢድ ሃገራዊ ኩነታት ኮይኑ ብሓደ ወገን ሃሩ ብእኩይ ሽርሒን ተግባርን ፀረ ሰላም ሓይሊታት እናሓለወን እናተኸላኸለን፤ ብኻሊእ መዳይ ድማ ብዙሓት ምድላዋት እቲ ሰራዊት ዘረጋግፁ ስራሕቲ ልምዓት ብስፍሓት፣ ብፅትን ብቅልጣፈን ምስራሕ ከምዝተኸኣለ ብምግላፅ እዚ ፕሮጀክት ድማ ሓደ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣባላት እቲ ዳይሬክቶሬት ዝተውሃቦም ልኡኽቶ ተቐቢሎም ኣብ ሓፂር እዋን ፅት ዘለዎ ስራሕ ሰሪሖም ንምረቓ ክበቅዕ ብምግባሮም እውን ኣመስጊኖም፡፡

በቲ ዳይሬክቶሬት ዝተሰናደአ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማትን፥ ኣብ ከይዲ ህንፀት ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ንዝነበሮም ኣባላት ምብርካቶም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.