Fana: At a Speed of Life!

ሰራዊት ምክልኻል ኣመልኪቶም ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ዝፍንዉ ኣካላት መንግስቲ ኣይዕገስን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ኣመልኪቶም ፍፁም ዝተወዝዑን ንህዝቢ ዘየኽብሩ ናይ ሕሶት ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ዝፍንዉ ኣካላት ከምዘይዕገስ ኣፍሊጡ።

ኣብ ግምባር ደሴ ዝተፈጠረ ኩነታት ኣመልኪቶም ንጋዜጠኛታት መብርሂ ዝሃቡ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ፥ ሰራዊት ምክልኻል ዝወስዶም ስልታዊ ስጉምቲታት ብዝተሰሓሓተ መገዲ ብምግንዛብ ይኹን ህዝቢ ንምድንጋር ዝተወዘዐ ሓሬታ ዘጋውሑ ኣክቲቪስታትን ህዝቢ ዝኸሓዱ ባንዳታትን መንግስቲ ኣይዕገሶምን ኢሎም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብዚ ሰሙን ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ህዝቢን ዝወሰዱዎ ተደጋጋሚ ስጉምቲ ከበድቲ መሳርሒታቱ ዓኒዮምዎ ከምዝዓነዉዎ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ኩሎም ግምባራት ሓይሉ ብምውፋር ዝበፅሖ ልዑል ክሳራ ንምክሕሓስን ኣፅዋራት ንምምንዛዕን ሰፋሕቲ ፈተነታት ምጥቃዕ እናገበረ ከምዝርከብ እቶም ሚኒስትር ተዛሪቦም፡፡

ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ጉጅለ ትማሊ ኣብ ከተማ ደሴ ኣቐዲሙ ኣሽሊኹ ዘእተዎምን ሲቪላት ኣፈፀምቲ ልኡኽቶ እቲ ጉጅለን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ፈፂሙ ኢዩ፡፡

ተግባሩ ብዙሕ ህልቂት ከየስዕብ ብዝብል ሰራዊት ምክልኻል ፍሉይ ሜላ ምንስሓብ ብምግባር፥ ሎሚ መዓልቲ ልዑል ቃልሲ እናገበረ ከምዝርከብ ኣገንዚቦም፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ሕዚ እውን ምስ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ህዝቢ ኣምሓራን ብምትሕብባር እቲ ትሕዝቶ ናብ ወገን ጭፍራ፣ ወረባቦን ጋሸናን እናስፈሐ ከምዝርከብ እቶም ሚኒስትር ዶክተር ለገሰ ኣብሪሆም፡፡

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ግምባር ደሴን ኮምቦልቻን ልዑል ውግእ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ኩለን ክልላት ዝኣዘኦ ፃውዒት ክተት ብምቕባል ብምዝማት፣ ሓገዝ ስንቂን ብምግባርን ዝተመዛበሉ ወገናት ብምሕጋዝን ንኽተሓባበር ኣተሓሳሲቦም፡፡

ህዝቢ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ባንዳ ብምውፃእ ደጀንነቱ ከረጋግፅ ከምዝግበኣእ እቶም ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም ኣገንዚቦም፡፡

ብበርናባስ ተስፋዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.