Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣመራርሓታት እቲ ወፍሪ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ጉጂን ቦረናን ጎረባብቲ ከባቢታት ክልል ሶማሌን ወፍሪ ምድምሳስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብዝተተለሞ ከይዲ ይስራሕ ከምዘሎ መራሕቲ እቲ ወፍሪ ገሊፆም፡፡

ኣብ ናፃ ዝወፃ ቀበሌታት ድማ እቲ ወፍሪ ብዝመርሑ ኣመራርሓታት ምክልኻል ዝምራሕ ልኡክ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እተን ዞባታት ዘካተተ ዘተ ይገብር ኣሎ፡፡

እቲ ወፍሪ ዝመርሑ ሓደ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ከምዝበልዎ÷ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ በፂሑ ዝነበረ ሓደጋ ህልውና ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቓም ግብረ ራዕዲ ሸኔ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዓብዪ ጉድኣት እናብፀሐ ፀኒሑ፡፡

እቲ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕን ዕጡቓት ጉጅለ ካብቲ ዞባ ንምውፃእን ዝሕግዝ ስራሕቲ ወፍሪ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ሓቢሮም፡፡

ከም ገለፃ እቶም መኮንን÷ ኣብቲ ዞባ ትርከብ ወረዳ ሊበን ሓዊሱ ብርክት ዝበላ ቀበሌታት ካብ ፀላኢ ናፃ ምግባር ተኻኢሉ፡፡

ዋና ኣማሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ኣይተ ታደለ ኡዶ ብግደኦም÷ ዕጡቓት ሸኔ ኣብቲ ዞባ ብቃላት ዘይግለፁ ጉድኣታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከምዘብፅሑ ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.