Fana: At a Speed of Life!

ቻይና “ኣዚዮም ኣድለይቲ” ኣብ ዝኾኑ ፈጠራታት ቴክኖሎጅ ብቕድሚት እናመርሐት ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ኣብ ዘፈር ድሕንነት እንዓምበቡ ብዝመፅኡን “ኣዚዮም ኣድለይቲ” ኣብ ዝኾኑ ፈጠራታት ቴክኖሎጂን ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ብምዃን እናመርሐት ከምትርከብ ተገሊፁ።

ኢኒስቲትዩት ስትራቴጂያዊ ፖሊሲ ኣውስትራሊያ ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ ከምዘመላኸቶ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን 44 ፈጠራታት ሳይንስሰን ቴክኖሎጂን እናዓምበቡ ይርከቡ።

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ኣብቶም 37 ወሳኒ ውፅኢታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ቀዳማይ ቦታ ሒዛ ከምትርከብ ገሊፁ፡፡

ቻይና ናይ መሪሕነት ቦታ ክትሕዝ ዝኸኣለት፥ ኣብ ዓውዲ ምክልኻል ፣ ምርምር ጠፈር፣ ሮቦቲክስ ፣ ሓይሊ ፣ ሓለዋ ከባቢ ፣ ባዮ-ቴክኖሎጂ ፣ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ከምኡ እውን ኳንተም ቴክኖሎጂን ዝተራቐቑ ባእታታትን ብዝሰርሐቶምን ዘበርከተቶም ርካባት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከምዝኾነ እቲ ኢኒስቲትዩት ብዝርዝ ኣመልኪቱ፡፡

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ ቤጂንግ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንባዕላ ብሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝሓየለት ሃገር ክትገብር ከምዝኸኣለት ኣር ቲ ፀብፂቡ።

እቲ መፅናዕቲ ከምዝሓበሮ ኣብ ዓለም ብሉፃት ዝበሃሉ 10 ትካላት ምርምር ኣብ ቻይና ይርከቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ቻይና ኣብ ነሓሰ 2021 ዕላዊ ዝገበረቶም ዓረር ኒውክሌር ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዎም ሃይፐር ሶኒክ ሚሳኤላታ ንሜሪካ ከምዘገረሙዋ ኢዩ እቲ ኢኒስቲትዩት ገሊፁ ዘሎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.