Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ትካላት ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሬሾ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ጉድኣት ዝበፅሖም ዩኒቨርሲቲ ወሎን ሓፈሻዊ ሆስፒታል ደሴን ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

በቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ጉድኣት ዝበፅሖ ዩኒቨርሲቲ ወሎ ብምፅጋን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ከይዲ ስራሕ ምምሃር ምስትምሃር ብኽፋል ከምዝጅምር ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ወሎን መካየዲ ስራሕ ሆስፒታል ደሴን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቶም ዩኒቨርሲቲታትን ሆስፒታላትን ዘብፀሖ ጉድኣት በቶም ኣምባሳደር ንዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ኣምባሳደር ሬሚ ማሬሾ፥ “እቲ ዩኒቨርሲቲ መሊስካ ንምጥያሽ ሓገዝ ክንገብር ኢና” ከምዝበሉ ተገሊፁ።

ኣብ ፈረንሳይ ምስ ዘለዉ መሓዙት ዩኒቨርሲታት ብምትእስሳር ልውውጥ ልምዲ ኣሰራርሓ ቴክኖሎጂን ንኽግበር ቃል ከምዝኣተዉ ፀሪሖም።

ንሆስፒታል ደሴ ሓገዝ ንምግባር ቃል ከምዝኣተዉ እውን ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ወሎ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ዘምህሮም ልዕሊ 26 ሺሕ ተምሃሮ ከምዝነበሩዎ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.