Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ልዕሊ 9 ነጥቢ 5 ሚሊየን እንስሳ ዘቤት ብምኽንያት ድርቂ ሞይተን – ውሕመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያን ኬንያን ብዘጋጠመ ድርቂ ብውሕዱ 9 ነጥቢ 5 ሚሊየን እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓሙሽተ ወቕቲታት ዝናብ ማይ ዘይምውቅዑ ስዒቡ ብዘጋጠመ ድርቂ÷ ኣብቲ ዞባ ኣብ ውሕስና ምግቢን ፍልፍል እቶት ኣብ ዝኾና ሃፍቲ እንስሳን ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ፡፡

እዚ ድማ ናብራ፣ ኣታዊን ኣመጋግባን ሰበኽ ሳግምን ሓረስቶትን ከምዘዛበዖ ተሓቢሩ።

ኣብተን ሃገራት 5 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዝኾኑ ህፃናት ንዝኸፍአ ሕፅረት ምግቢ ከምዝተቓልዑ ተገሊፁ፡፡

3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ህፃናት ትምህርቶም ናይ ምቁራፅ ሓደጋ ከምዘንፀላለዎምን ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ተቓላዕቲ ከምዝኾናን እውን ተመልኪቱ፡፡

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ 2023 ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተጎድኡ 8 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዜጋትት ህፁፅ መድሕን ህይወት ምግቢ ንምምላእ፤ 2 ነጥቢ 4 ቢሊየን ዶላር ከምዘድሊ ምግላፁ ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.