Fana: At a Speed of Life!

ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈጉባዔ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂ ዘቲዮም።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሎ እወንታዊ ምትሕብባር ኣጠናኺርና ምቕፃል ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣብቲ ዘተ ተገሊፁ።

ኣፈጉባኤ ኣገኘሁ፥ ኢትዮጵያ ንተግባራዊነት ኣፈታትሓ ጎንፂ ትሰርሕ ከምዘላ ሓቢሮም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ብሰላም ዝተዛዘመ ጎንፂ ናይቲ ተግባራዊነት መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ድምፂ ኣፅዋር ኲናት ዘይስመዐሉን ዘላቒ ሰላም ኣብ ፅኑዕ መሰረት ንክንበር ብዙሓት ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ኢቭጌኒ ተርኪሂን ብግደኦም፥ ሩሲያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ኣጠናኺራ ምቕፃል ከምእትደሊ ገለፆም።

ኣብ መንጎ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ከምዝግባእ እውን ምሕባሮም ካብቲ ቤት ምኽጀሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.