Fana: At a Speed of Life!

ዝተሰረዘ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ከምዝወፅእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ሕዚ ብምኽንያት ዝተፈፀመ ገበን ምጭብርባር ተሰሪዙ ዝነበረ ዕፃ ሓበራዊ መንበሪ ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ፅባሕ ከምዝወፅእ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ቢሮ ልምዓት ኣባይቲ እቲ ምምሕዳር ያስሚን ወሃቢረቢን ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬሽን ልምዓት ኣባይቲ ሽመልስ ታምራትን ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ፅባሕ 25 ሺሕን 791 ኣባይቲ 40/60ን 20/80ን ዕፃ ከምዝወፅአሎም ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ናይ ፅባሕ ምውፃእ ዕፃ እኹል ዕቋር ዘለዎም ነበርቲ እታ ከተማ ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.