Fana: At a Speed of Life!

ጉድኣት ዝበፅሖም መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ናይ ምፅጋን ስራሕ እናቐፀለ ከምዝኾ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽንያት ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ላዕለዎትን ማእኸለዎትን መስመራት መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ናይ ምፅጋን ስራሕ እናቐፀለ ከምዝኾን ዲስትሪክት ጎንደር ገሊፁ።

ዳይሬክተር እቲ ዲስትሪክት ኣይተ ሞገስ ኣበራ ÷ እቲ ስራሕቲ ፅገና መስመር ብሰለስተ ኣንፈት ዝስራሕ ዘሎ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ሓደ ካብ ሑመራ-ማይካድራ-ዓብደራፊ-ኣብረሃጅራ፣ እቲ ካልኣይ ካብ ሑመራ-ባዕኸር-ዳንሻን ሳልሳይ ካብ ሑመራ-ዓዲ ጎሹ ዝርከቡ መስመራት ኢዮም፡፡

ኣይተ ሞገስ ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቢሉ እናተሳለጠ ዝርከብ ስራሕቲ ፅገና ኣብ ሓፂር እዋን ንምዝዛም እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

እቲ ስራሕቲ ፅገና ምስተዛዘመ ድማ እቶም ከባቢታት ዳግም ተጠቀምቲ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.