Fana: At a Speed of Life!

ፎረም ቱሪዝም ኢትዮ-ኮሪያ ብመርበብ ሓበሬታ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር “ፎረም ቱሪዝም ኢትዮ-ኮሪያ 2021” ብዝብል ርእሲ በድረኽ ዘተ ተኻይዱ።

ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳው፥ ኢትዮጵያ ምስ ዱብ ኮሪያ ብደም ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ ብዙሓት ተፈጥሮኣዊ፣ ባህላዊን ሃይማኖታዊን መስሕባት፣ ማረኽቲን ሰሓብቲን ስነ-ምህዳር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝርከቡ ብዙሓት እንስሳትን እፅዋትን ከምዘለዉ ከምኡ እውን እኹል መሰረተ ልምዓት፣ ሓገዝ መንግስቲን መባፅሕቲ ቱሪዝምን ከምዘለዉ ኣብሪሀን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ሽፈራው ሽጉጤ ብግደኦም፥ ደቡብ ኮሪያን ኢትዮጵያን ጥንኩር ፖለቲካዊን ታሪኻዊን ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ገሊፆም።

ኣብቲ ፎሮም ብዛዕባ መስሕባት ቱሪዝም ኢትዮጵያ፣ ዝተፈላለዩ ፓኬጃት፣ ብዛዕባ ማሕበራትን ኣሰራርሓ መገዲ ኣየርን ንትካላት መጎብነይቲ ዝወሃቡ ድጋፋት ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ፡፡

20 ዝኾኑ ትካላት መጎብነይቲ ካብ ኢትዮጵያ፤ 18 ዝኾኑ ትካላት ደማ ካብ ደቡብ ኮሪያ ኣብቲ ፎረም ከምዝተሳተፉ ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.