Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ምስ ላዕለወይቲ ሓላፊት ስርዓተ ምግቢ ውሕመ ጌርዳ ቨርበርግ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ስራሕ እናገበራ ምስ ዝርከባ ላዕለወይቲ ሓላፊት ስርዓተ ምግቢ ውድብ ሕቡራት መግስታት ጌርዳ ቨርበርግ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተእ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምግቢን ስርዓተ ምግቢን፣ ትራንስፎርሜሽን ስርዓተ ምግቢ ከምኡ እውን ኣብ ኣተገባብራ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ኣድሂበን ተመያይጠን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ÷ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ውድብ ሕቡራት መብግስታት ዘሰናደኦ ዓለም ለኸ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ክተሰናድእ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፀን።

ጌርዳ ቨርበርግ ብግደአን÷ መንግስቲ ኣብ ስራሕቲ ኣተገባብራ ስርዓተ ምግቢ ዘለዎ ቆራፅነት ብፍላይ ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት ዘሎ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ከምዘደነቐን ተዛሪበን፡፡

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ሻምፒዮን ሃገር ለኸ ስርዓተ ምግቢ ንኽኾኑ ሕቶ ምቕራበን እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.