Fana: At a Speed of Life!

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ብኣካቢ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ኣውሮፓ ዴቪድ ማካሊስተር ዝተመርሐ  ልኡክ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ብኣካቢ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ኣውሮፓ ዴቪድ ማካሊስተር ዝተመርሐ  ልኡክ ኣብ ቤት ፅሕፈተን ተቐበሊን ኣዘራሪበን።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ÷ ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ፓርላማ ኣውሮፓ፣ ኮሚቴ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ማዕርነት ፆታን ፓርላማ ኣውሮፓን ከምኡ እውን ምክትል ኣካቢት ኮሚቴ ልምዓትን ዘካተተ ኢዩ፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ብዛዕባ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ዝርርብ ሰላምን ምይይጥ ተገይሩ፡፡

ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ከምዝሓሮ÷ ኣምባሳደር  ሕብረት ኣውሮፓ ሮናልድ ኮቢያ ምስቲ ልኡኽ ተራኺም ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.