Fana: At a Speed of Life!

ህይወት 4 ሰባት ዘጥፈአ ኣባል ፖሊስ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 መስከረም ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምስ በዓልቲ እንድኡ ብዝተፈጠረ ግዚያዊ ዘይምርድዳእ ብክላሽንኮቭ ተኩይሱ ህይወት 4 ሰባት ዘጥፈአ ኣባል ፖሊስ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ዉልቀ ሰብ ገበን ቅትለት ዝፈፀመ 1 መስከረም 2013 ዓ. ም እንትኸውን፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ሰዓት 2:30 ምሸት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ረዳት ሳጅን መልህቁ መኪ ዝተብሃለ እቲ ተጠርጣሪ ብምኽኒያት ምስ በዓልቲ ቤቱን ቤተሰባን ዝተፈጠረ ዘይምርድዳእ ንስራሕ ብዝተዓጠቖ ክላሽንኮቭ በዓልቲ ቤቱን ወላዲታን ሓዊሱ ብድምር ኣርባዕተ ሰብ ከምዝቐተለ ተገሊፁ።

እቲ ዉልቀ ሰብ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል ዝተፈላለዩ መረዳእታታት ቴክኒክን ታክቲክን ብምእካብ ከይዲ ምርመራ ከምዝተጀመረ እዉን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.