Fana: At a Speed of Life!

ሓባረዊ ግብረ ሓይሊ በዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓባረዊ ግብረ ሓይሊ መበል 128 በዓል ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ንምኽባር ዝግበር ምንቅስቓስ ፍፁም ሰላማዊ ንክኾን ኣድላዪ ቅድመ ምድላው ብምዝዛም ናብ ተግባራዊ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኣፍሊጡ።

ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን 23 ለካቲት 2016 ዓ.ም ዝኽበር እቲ በዓል ብዘይ ምንም ፀገፅ ፀፅታ ንክኽበር ዓሊሙ ኣብ ዝተሰናድአ መፈፀሚ ትልሚ ኣብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ገይሩ።

ሓላፊ ፍሉይ ወፍሪ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ተስፋዬ ኣያሌው፥ ናይ መላእ ኢትዮጵያዊያን በዓል ዝኾነ ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ምንም ዓይነት ስግኣት ንከየጋጥም ሓይሊ ፀፅታ ደልዊ ኢዩ ኢሎም።

“ተሳተፍቲ እቲ በዓል ቅርሕንቲ ካብ ዘለዓዕሉን ነቲ በዓል ዘይገልፁን ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ክቑጠቡ ይግባእ” ኢሎም።

ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋው ብግደኦም፥ ዝኽሪ በዓል ዓወት ዓድዋ ነቲ ታሪክ ብዝምጥን መገዲ ተሃኒፁ ኣብ ዝተዛዘመሉ እዋን ምኽባሩ ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

እቲ በዓል ፍፁም ሰለማዊ በዝኾነ መገዲ ተኸቢሩ ነክውዕል ኣድላዪ መድላው ከምዝተዛዘመ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.