Fana: At a Speed of Life!

ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ልምድታት ብምልዋጥ ንተወሳኺ ዓወት ዘዳልዉና ኩነታት ብምሕባር ክኸውን ኣለዎ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓዱሽ ዓመት እንትንቅበል ልምድታት ብምልዋጥ ንተወሳኺ ዓወት ዘዳልዉና ኩነታት ብምሕባር ክኸውን ኣለዎ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ከበደ ዴሲሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ 2015 ዓ.ም ከም ሃገር ታሪኽና ዝቐየሩ ዓወታት ዝተመዝገብሉ ዓመት ነይሩ ኢሎም።

ንኣብነት ብታሪክና ንፈለማ እዋን ስርናይ ናብ ወፃኢ ዓዲ ሰደድ ምግባር ዝጀመርናሉ ዓመት ምዃኑ ከም ልዑል ዕድል ዝረአ ኢዩ ኢሎም።

ብዘጋጥሙ ዕለታዊ ፀገማትን ዋዕ ዋዕን እንተይተንበርከኽና ኩሉ መዳይ ምዕባለ ካብ ምርግጋፅ ደው ዘብለና ሓይሊ ከምዘየለ ዘርኢ  ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኢትዮጵያ እንትካየድ ዝነበረ ኲናት ብሰለማዊ ድርድር ደው ዝበለሉ ዓመት ምዃኑ ብምዝኽኻር፥ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኢትዮጵያ ካብ ዝገደደ ኲናትን ምብትታንን ዘድሓነ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ፣ መንባር ሓምለዋይ ኣሰር ዝተርኣዩ ልዑላት ውፅኢታት እውን ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ውፅኢታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ይኹን አነበር ኣብ ናህሪ ናብራ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተርኣዩ ምንጋዓት ሰላም፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ፈተናታት 2015 ዓ.ም ከምዝነበሩ ገሊፆም።

እቶም ፈተናታት ኣብ ምቕራፍ ኣብ 2016 ዓ.ም መንግስቲ ጠመተ ሂቡ ክሰርሕ ኢዩ ኢሎም።

ብፌቨን ቢሻው

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.