Fana: At a Speed of Life!

ሕማም ሳምቡእ ንምግታእ ብዙሓት ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ሳምቡእ ንምግታእ ብዙሓት ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ሕማም ሳምቡእ ኣብ ኢትዮጵያ ንመበል 27 ግዘ “ብርግፅ ዝርገሐ ሕማም ሳምቡእ ምግታእ ንኽእል ኢና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ሚንስቴር መሪሕ ፈፃሚት ስራሕ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዶ/ር ህይወት ሰለሞን ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ሳምቡእ ንምግታእ ብዙሓት ስራሕቲ እናተተግበሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን፡፡

ይኹን እምበር ሕማም ሳምቡእ ሕዚ እውን ኣብ ማሕበረሰብ ፀገም ብምዃኑ እቲ ሕማም ንምግታእ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ መዳርግቲ ኣካላት ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ክዋፅኡ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.