Fana: At a Speed of Life!

መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ክሳብ ሐዚ 83 ሚኢታዊ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ሃገር ካብ ዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ዓመተ 2012 ክሳብ ሐዚ 83 ሚኢታዊ ከምዝተፈፀመ ተገሊፁ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ኡመር ሁሴን ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃብ ከምዝበልዎ፥ ብብርኪ ሃገር ካብ ዝተትሓዘ መርሃ ግብሪ ምትካል ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ዓመተ 2012 ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 4 ነጥቢ 1 ቢሊየን ፈልሲ ተተኺሉ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ካብ ዝተትሓዘ ትልሚ 83 ሚኢታዊ ከምዝተፈፀመ ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ብግደኦም፥ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ውፅኢታዊ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዝተትሓዘ ትልሚ ሙሉእ ብሙሉእ ንምፍፃም ልዑል ትኹረት ከምዘድሊ ድማ ሓቢሮም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ቀንዲ ዋኒን ትካላት መንግስቲን ሓለፍቲ ስራሕን ክኸውን ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ እቲ መርሃ ግብሪ ምስ ረብሓ ኢኮኖሚን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምዝማድ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ክልላት ዝሓዝዎ ትልሚ ኣብቲ ዝተርፍ ሓደ ወርሒ ሙሉእ ንሙሉእ ንምፍፃም ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ትልሚ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዓመተ 2013 ንሳልሳይ ዙር ዝካየድ ስለዝኾነ፥ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምክያድ ምሕሳብ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ነዚ እውን ንጎረባብቲ ሃገራት ዝኾኑ ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ፈልሲታት ክዳሎ ከምዝግባእ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.