Fana: At a Speed of Life!

መንኮራኹር ሩስያ ኣብ ወርሒ ተሓምሺሻ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉና-25 ዝተብሃለት ሰብ ኣልቦ መንኮራኹር ሩስያ ካብ ቁፅፅር ድሕሪ ምውፃኣ ኣብ ወርሒ ከም ዝወደቐት ሰበመዚ እታ ሃገር ገሊፆም።

ሩስያ ድሕሪ ዳርጋ 50 ዓመታት ዘካየደቶ ፈለማይ ተልእኾ ወርሒ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

እታ መንኮራኹር ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ክትዓልብ ትፅቢት ዝነበረ እንትኸውን÷ ይኹን እምበር ኣብ ቅድመ ምዕላብ ብዘጋጠሙ ፀገማት ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ።

ተመራመርቲ በረድ፣ ማይን ክቡር ባእታታትን ክሕዝ ዝኽእል ዝመስሎም ክፋል ወርሒ ክትድህስስ እያ ተዳልያ ነይራ።

ሮስኮስሞስ ዝተባህለ መንግስታዊ ኮርፖሬሽን ህዋ ሩስያ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ÷ እታ መንኮራኹር ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ምስ ሉና-25 ዝነበራ ርክብ ከም ዝተቛረፀ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ከም ዝገለፆ÷ 800 ኪሎ ግራም እትምዘን መንኮራኹር “ምስ ወርሒ ብምግጫዋ ህላወኣ ከም ዘቋረፀት” መባእታዊ ርኽበታት የመልክቱ።

ብተወሳኺ እቲ ተልእኾ ንምንታይ ከም ዝፈሸለ ፍሉይ ኮሚሽን መርመራ ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ።

ዋላ እኳ መንኮራኹራት ኣመሪካን ቻይናን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ወርሒ ዓሊበን ዝፈልጣ እንተኾና÷ ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ዘዕለበት ሃገር ግን ክሳዕ ሕዚ የላን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.