Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘብፅሑዎ ፅንቶ ኣግባብ ኣይኮነን – ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ኣሜሪካን ባንኪ ዓለምን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘብፅሑዎ ፅንቶ ዓለም ለኸ መምርሒታት ዝጠሓሰን ዘይፍትሓዊን ከምዝኾነ ዳይሬክትር ብሄራዊ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ከምዝበሉዎ፥ ኣብቲ ግድብ ዝግበር ፅዕንቶ ንሓድነት ኢትዮጵያ ተወሳኺ ጉልበት ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ፥ መንግሰቲ ኣሜሪካ ብባንኪ ዓለም ኣቢሉ ዝገብሮ ፅዕንቶ ዘይፍትሓዊን ዓለም ለኸ መምርሒ ዝተሓሰን ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ምህናፅ ካብ ትጅምር ኣትሒዙ፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ባንኪ ዓለም ብምጥቃም ብተዛዋዋሪ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እንትትገብር ከምዝስትውዓል ገሊፆም።

ብፍላይ ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ዝገበርሩዎም ዘረባታትትን ፅዕንቶታትን ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዝዳፍኡ ከምዝኾኑ ኢዮም እቶም ዳይሬክተር ዛሓበሩ።

ኣሜሪካ ኣብ ከባቢታት ማዕኸላይ ምብራቕን ቀርኒ ኣፍሪካን ዘለዋ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ድሌት ዝብገስ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያኝ ግብፂን ጋህዲ ዝኾነ ኣድልዎ እናፈፀመት ከምዝኾነት ዶክተር ኣረጋዊ ተዛሪቦም።

ህንፀት እቲ ግድብ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እምበር ንኣሜሪካ ብምትእምማን ከምዘይተጀመረ እውን ኣገንዚቦም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ዝሃቡዎ ርኢቶ ስዒቡ፥ ኣብ ሞጎ ኢትዮጵያውያን ልዑል መንፈስ ሓድነትን ምልዕዓልን ከምዝተፈጠረ ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.