Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ካብ ውሽጢን ደገን ዝተፈነወሉ ዝተዋደደ ወፍሪ ይምንክት ኣሎ – ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ካብ ውሽጢን ደገን ዝተፈነወሉ ዝተዋደደ ወፍሪ ይምንክት ኣሎ ክብሉ ኣባል ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝን ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ገሊፆም።

ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ “ህብረ ብሄራዊ ሕውነንት ንዘላቒ ሰላምን ኩለመዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ዘተ ህዝቢ ተኻይዱ።

ኣይተ ኣሻድሌ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈጠረ ቅልውላው ናይ ውሽጢን ደገን ፀላእቲ ምስ ፅንፈኛ ሓይሊታት ብምትሕብባር ዝፈጠሩዎ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ይኹን እምበር እታ ሃገር ጥንኩር ህዝቢን መንግስቲን ዘለዋ ስለዝኾነት ዝተፈነወላ ናይ ውሽጢን ደገን ዝተዋደደ ወፍሪ እናተመከተ ይርከብ ኢሎም።

እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህዝቢ ንምክፍፋል እናገበሮ ዝርከብ ወፍሪ ህዝቢ ኣዊ ብሓድነት ጠጠው ብምባል ክምክቶ ከምዝግባእ ከምኡ እውን ኣብ ጎኒ ሓይሊ ምክልኻል ጠጠው ብምባል ሰላም ከባቢኡ ክሕሉ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሕቶ ህዝቢ ብኣተሓሳስባ ኢትዮጵያዊነትን ህድኣትን ተራኢዩ ዝፍታሕ ኢዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ ሕቶታት ብሓይሊ ንምፍፃም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ዝውሰድ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊት ቢሮ ትምህርቲን መተሓባበሪት ማሕበራዊ ዘፈርን ክልል ኣምሓራ ሙሉነሽ ደሴ (ዶ/ር) ብግደአን÷ መራሒ ብምኽባርን ምስ መራሒ ብምዝርራብንሓበራዊ መፍትሒ ንምምፃእ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.