Fana: At a Speed of Life!

መጠን ፍርያት ፀባ፣ ፍርያት ስጋ ዶርሆን ብዝተሃቀኖ መሰረት ፅቡቕ ውፅኢት ኣምፂኡ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2015 ዓ.ም መጠን ፍርያት ፀባ፣ ፍርያት ስጋ ዶርሆን ብዝተሃቀኖ መሰረት ፅቡቕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ትሩፋት ሌማት ፍርያታት ፀባ፣ ዶርሆ፣ እንቋቖሖ፣ መዓር፣ ዓሳን ስጋን ንምምሕያሽ ሃገራዊ ፕሮግራም መንግስቲ ኮይኑ እናተተግበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

“ኣብ 2015 ዓ.ም መጠን ፍርያት ፀባ፣ ፍርያት ስጋ ዶርሆን ብዝተሃቀኖ መሰረት ፅቡቕ ውፅኢት ኣምፂኡ” ኢሎም።

ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት እውን ብዝበለፀ ንምዕዋት ኩሉ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምዝጠልብ እውን ኣገንዚቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.