Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሁዋዌ ኢትዮጵያን ብሓባር ኣብ ዝሰርሑዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሁዋዌ ኢትዮጵያን ኣብ ስራሕቲ ኣናእሽተይ ቀረባት ሓይሊ ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታትን ብዝምልከት ብሓባር ኣብ ዝሰርሑዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘቲዮም።

ሁዋዌ ኢትዮጵያ ንዕዳጋ ዘቕርቦምን ኣናእሽቲ ቀረባት ሓይሊን ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታት፣ ንመንበሪ ውልቀሰብ፣ ካብ ዋና መስመር ኤሌክትሪክ ርሒቖም ንዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብን ንቢዝነስ ትካላትን ግልጋሎት ዝህቡ ሓደሽቲ ቀረባት ሓይሊ ኣማራፂ ቴክኖሎጂታት ዘፋልጥ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሁዋዌ ግልጋሎታት ቴክኖሎጂ ዲጂታል ፓዎር ኣብ ምቐውራብ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘሎ ልምዲን ተሞክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ንምስፋሕ ዘለዎ ድልውነት ኣመልኪቱ ሰብ ሞያ እቲ ትካል ገለፃ ገይሮም፡፡

ግልጋሎታት ቴክኖሎጂ ዲጂታል ፓዎር ሁዋዌ ኣብ ምስፋሕ ከፋልጥ ዝኽእል፣ ትካላት ዘፈር፣ ክልላትን ኣቕረብቲ ቴክኖሎጂ ኢነርጂ ውልቀ ትካላትን ዘሳትፍ ዓውደ ምርኢት ኣብ ወርሒ መጋቢት ከምዝሰናዳእ ተገሊፁ፡፡

እቲ ዓውደ ምርኢት ብምትሕብባር ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ሁዋዌ ኢትዮጵያን ዝካየድ ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.