Fana: At a Speed of Life!

ሚኒስቴር ምክልኻል ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት 220 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 220 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ምክልኻል ማርታ ሉዊጂ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝገለፀኦ÷ እቲ ሰራዊት ወዲ ህዝቢ ብምዃኑ ሰላምን ድሕንነትን ሃገርን ህዝቢን ካብ ምሕላው ብተወሳኺ በተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ገይሩ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዜጋታ 100 ሚሊየን ብር፣ ንክልል ሶማሌ 50 ሚሊየን ብር፣ ንክልል ደቡብ 40 ሚሊየን ብር ከምኡ እውን ንክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግህምራ 30 ሚሊየን ብር ሓገዝ ምግባሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቀፃሊ እውን ንዜጋታት ዝገብሮ ሓገዝ ብተግባር እናረጋገፀ ከምዝቕፅል እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.