Fana: At a Speed of Life!

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ንሃገሩ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ንሃገሩ ዝገብሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ፃውዒት ቀሪቡ።

ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣብ ሰላምን ልምዓትን ዲፕሎማሲ ሃገሮም ዝህልዎም ግደን ኣብ ከተማ ጎንደር ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ዘድሃበ ዓውዲ መፅናዕቲ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ዓውዲ መፅናዕቲ ኣብ ዩንቨርስቲ ጎንደርን ብምምሕዳር እታ ከተማን ዝተሰናደአ ኢዩ።

ኣብቲ ዓውዲ መፅናዕቲ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሰደር ብርትኳን ኣያኖ፣ ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲን ካልኦት ሰብ መዚን እውን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውዲ መፅናዕቲ ኣብ ዝገበርኦ መደረ÷ “ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ሃገርና ኢትዮጵያ ፈተና ዲኘሎማሲ ኣብ ዝገጠማ እዋን ንሃገሮም ድምፂ ብምዃን ዘኹርዕ ተግባር ፈፂሞም እዮም” ኢለን።

ናይ ገለ ገለ ሃገራት ዘይግባእ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝተገበረ ምንቅስቓስ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ደለይቲ ናፅነት ብፍላይ ኣጀንዳ ኣፍሪካውያንን ፈተውትን ክኸውን ከምዝተገበረ ገሊፀን።

ኘሬዚዳንት ዩንቨርስቲ ጎንደር ዶክተር ኣስራት ኣፀደወይን ብወገነን÷ እቲ ዩኒቨርሲ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ብምፅናዕን ብምምኻርን  ንዳያስፖራታት ከምዝሕግዝ ተዛሪበን።

ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ዘውዱ ማለደ፤ ጥምቀት ጎንደር ዘድመቑ  ዳያስፖራታት፤ ጎንደር ብልምዓት ተጠቃሚት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ጎንደር ብርክት ዝበሉ ፀጋታት ልምዓት ዘለውዋን መባፅሕ ጎረቤት ሃገራት ብምዃናን ኣብ ጎንደር ኢንቨስት ምግባር፤ ሃገር ምዕባይ ምዃኑ እቶም ከንቲባ ገሊፆም።

ምምሕዳር እታ ከተማ ናይ 3 ዓመት ስትራቴጂ ኢንቨስትመንት ምድላዉ ድማ ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.