Fana: At a Speed of Life!

ምህርቲ ኣቑሑት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንምግባር ፕሮጀክት 3 ዓመት ምቕማጡ ሚኒስተር መዓድን ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምህርቲ ኣቑሑት ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንምግባር ፕሮጀክት 3 ዓመት ምቕማጡ ሚኒስተር መዓድን ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር መዓድን ኢኒጂነር ታከለ ኡማ፣ እታዎታት ሓፂነ መፂን፣ ምስ ሰብ ሞያ፣  ብሰብ ሞያ ኢኮነሚን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ብዝተጣየሸ ሃገራዊ ኮሚቴ ምህርቲ ሓፂነ መፂን ስትሪግ ብምኻን ዝበፅሖ ክያዶ ገምጊሞም፡፡

ነዚ ሲዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም፤ “ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ እታዎት መዓድናት ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንምትካእ እናተሰርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ብቕልጡፍ ብተግባር እናተርኣየ ምኻኑ ገሊፆም፡፡

“ንቐፃሊ ፈላማይ ፅንዓት ዘዋፅእ ምኻኑን ቦታ መረፃ ህንፀት ፋብሪካ ኣብ ዉሽጢ 3ተ ወርሒ ከምዝዛዘም ተስማዕሚዕና ኢና” ኢሎም፡፡

ምህርቲ ሓፂነ መፂን ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ንምግባር ፕሮጀክት 3 ዓመት ከምዝተቐመጠ ዝገለፁ እቶም ሚኒስተር÷ እቲ ፕሮጀክት ዘተሓባብር “ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት” ብሚኒስተር መዓድን ምዉቓሩ ገሊጾም፡፡

እቲ ስራሕ ብመንግስቲ፣ ብዓል ሃፍታት ዉሽጢ ዓድን ወፃኢን ብሓባር ብምኻን ዝካየድ ምኻኑ እቶም ሚኒስተር ገሊፆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.