Fana: At a Speed of Life!

ምልማዕ ቴክኖሎጂ ደበና ዘበረታትዕ ውፅኢት ከምዘመዝገበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሮን ብምጥቃም፣ ብግራውንድ ጀኔሬተርን ናይ ርሕቐት መቆፃፀሪን ብምጥቃም ሎሚ ዝተገረ ፈተነ ደመና ምዝናብ ቴክኖሎጂ ውፅኢታዊ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብቲ ፈተነ መርሃ ግብሪ ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ዝናብ ኣብ ዝሓፅሮምን ቆላማ ዝኾኑ ከባቢታትን ግዳይ ድርቂ ከምዝኾኑ ፀሪሐን።

እቲ ቴክኖሎጂ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፀን።

“ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ንምልማዕ ደበና ዘድልዩ 60 ግራውንድ ጀኔሬተራት ንምስራሕ ሓገዝ ምግባሩ ብሓባር ምስራሕና ጅማሮ ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ምሕደራ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ሰለሞን ሶካ ብግደኦም÷ ኣብ ቀፃሊ ደበና ናይ ምልማዕ ፕሮጀክት ሰፊሕ ቦታታት ብዝሸፈነ መልክዑ ክስረሐሉ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሀን።

ቴክኖሎጂ ምልማዕ ደበና (Cloud Seeding) ደበና ናይ ምዝናብ ከይዲ እንትኸውን÷ ኣብ ኣየር ተንሳፊፉ ዝርከብ ደበና ዝርከብ ጠሊናብ መሬት ብዝናብ መልክዑ ክወርድ ዝግበር ቴክኖሎጂ ኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.