Fana: At a Speed of Life!

ምሕዝነት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ሓበራዊ ተረባሕነት ብዘጠናኽር መልክዑ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፤ 24 ሓምለ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነት ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ሓበራዊ ተረባሕነት ክልቲን ሃገራት ብዘጠናኽር መልክዑ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።
ራብዓይ ኣኼባ ሓበራዊ ኮሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ÷ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክባትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ዶክተር ናሌዲ ፓንዶር፣ ከምኡ እውን ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ተሳቲፎም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ንግዲን ኢንቨስትመንትን፣ ሳይንስ፣ ኢኖቬሽን፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ባህሊን ካልኦት ዓውዲታትን ዝተፈራረመኦም ክልተኣዊ ስምምዓትን ዝርከቡሉ ብርኪ ኣፈፃፅማ ኣብቲ ኣኼባ ተገምጊሙ።
ክልቲአን ሃገራት ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀ ሰባት ኣሕሊፍካ ንመሃብ ዘኽእል ስምምዕነት እውን ተፈራሪመን።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ እቲ ኣኼባ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ምይይጥ ከምዝተገበረ ገሊፆም።
ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ስምምዓት ምትሕብባር ዘዕግብ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ቀፃሊ እውን እዚ ነምጥንኻር ተቐራሪብካ ምስራሕ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክባትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ዶክተር ናሌዲ ፓንዶር ብግደአን÷ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ጥንኩር ርክብ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣብሪሀን።
#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.