Fana: At a Speed of Life!

ርእሰ ምምሕዳር ክልላት በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽእቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልላት በዓል ጥምቀት ምኽንያት ብምግባር መልእኽእቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ብተኸተልቲ እምነት ክርስትና በዓል ጥምቀት ሰባት ብፍቕሪ ሕድሕዶም ዝተኣሳሰሩሉ ብዙሓት እሴታት ዝሓዘ ኢዩ ኢሎም።

ናይዚ ዓመት በዓል ጥምቀት እንትኽበር፥ ሰባት ሕድሕዶም ካብ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ጎና ጎድኒ ንባዕሎም ለበዳ ኮቢድ-19 ብዘሓለወ መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ሕብረተሰብ ንመከላኸሊ ኮቪድ ዝኾኑ ኣቑሑት ብህያብ ብምትዕድዳልን ብምክፋልን፤ እቲ በዓል ብሰላምን ጥዕናን ንኸኽብር እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣይተ ርስቱ ይርዳው ብግደኦም፥ ሕብረተሰብ በዓል ጥምቀት እንተኽብር ከም ቀደሙ ባህሊ ምርድዳእን ምትሕግጋዝን ብምጥንኻር ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ዓመት እነኽቦም ናይ ኣደባባይበዓላት ለበዳ ቫይረስኮሮና ፅዕንቶ ከሕድር ከምዝኽእል ዝገለፁ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ “እቲ በዓል እንትነኽብር መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምግባር፣ ብዝተኽኣለ መጠን ኣካላዊ ርሕቐት ብምሕላው ክኸውን ይግባእ” ኢሎም።

እቲ በዓል፥ ንመላእ እምነት ክርስትና በዓል ሰላምን ጥዕናን፣ ሓድነትን ምዕባለን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፣  ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪን ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኣይተ ኣሕመድ መሓመድን እውን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.