Fana: At a Speed of Life!

ርዕሰ ምምሕዳር ሙስጠፌ ካብ ወፍሪ ሁልሁል ዝተመለሰ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ዶብ ኣፋኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ናብ ጣቢያ ሁልሁል ሸሊኹ ዝኣተወ ጉጅለ ኣልሻባብ ንምድምሳስ ዝተመለሰ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ዶብ ኣፋኒዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ብዞባ ኣፍዴር ወረዳ ቆህሌ ጣቢያ ሁልሁል ኣቢሉ ሸሊኹ ንዘኣተወ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ንምድምሳስ ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ተመሊሱ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ኢዮም ናብ ዶብ ምፍናው ገይሮምሉ።

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ “ኣቶ” ብዝበሃል ቦታ ኣቢሉ ናብ ክልል ሶማሌ ዞባ ኣፍዴር ሸሊኹ ዝኣተወ ዕጡቕ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ፥ ሁልሁል ኣብ ዝበሃል ቁሸት ምስተኸበበ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝተደምሰሰቤት ምኽሪ ፀፅታ መንግስቲ እቲ ክልል ምሕባሩ ይፍለጥ።

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ልዕሊ 100 ኣባላት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እንትቕተሉ፥ እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ እናተጠቐመለን ዝነበራ 13 ተሸከርከርቲ ከምዝተቓፀላ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምፍናው፥ ርዕሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ ሓዊሱ ሓላፊ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን ሙበሽር ድባድ ራጌ፣ ኣመራርሓታት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ካልኦት ኣመራርሓታት ዞባን ክልልን ከምዝተረኸቡ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.