Fana: At a Speed of Life!

ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ብልፅግና ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ዙር ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ውድብ ብልፅግና ኣብ ከተማ ኣዳማ ተጀሚሩ።

እቲ ሰልጠና “ ከዕዳ ወደ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ኣብቲ ስልጠና ካብ ኩለን ክልላት ዝተውፃእፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ይሳተፉ ኣለዉ።

ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን እቲ ውድብ ኣደም ፋራህ፥ ዕላማ እቲ ስልጠና ላዕለዎት ኣመራርሓ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ተለዋዋጢ ኩነታት ብምግንዛብ ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር እቲ ፓርቲ ንህዝቢ ዝኣተዎ ቃል ምፍፃም ዘኽእል ዓቕሚ ኣመራርሓ ነምፍጣር ኢዩ ኢሉ።

እቲ ፓርቲ ኩለ መዳይ ምዕባለ ንምርግጋፅ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ናይ ኣመራርሓ ናይ ኣተሓሳስባን ተግባርን ሓድነት ወሳኒ ኢዩ ምባሎም ካብቲ ፓርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

በቢብርኩ ዘለዉ ኣመራርሓ ብስልጠና ዓቕሚ ናይ ምህናፅ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሓቢሮም።

እቲ ስልጠና ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ን11 መዓልታት ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.