Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ክታም  መተግብሪ መመርምሪ ተሓከምቲ ድጂታል “ዌልነስ ፓስ” ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ክታም  መተግብሪ መመርምሪ ተሓከምቲ ድጂታል “ዌልነስ ፓስ” ተነቢሩ።

ምኒስቴር ጥዕና እቲ መተግበሪ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ምስ ማስተር ካርድን ከጋቪ ንከጄ ኤስ አይ ሎሚ ስምምዕነት ክታም ኣንቢሩ።

ምኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ እቲ ቤት ዕዮ ኣብ  ካልኣይ ዙር ናይ ጥዕና ትልሙ ኣብ ሓበሬታ ተመስሪቱ ኣወሃህባ  ውሳነ ንምጥንኻር፣ ፅሬት ዘለዎ ሓበሬታ ንምትእኽኻብን ንምትንታንን ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ቁልፊ ተግባራት ጌሩ ብፍሉይ ጠመተ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን ።

ናይ ተሓከምቲ መረዳእታታት ፍሰት ንምጥንኻር ማስተር ካርድ ‹‹ዌልነስ ፓስ›› ዝተበሃለ ዲጂታል መሰርሒ ፈተነ ኣብ ዝተመረፃ ትካላት ጥዕና ኣብ ውሽጢ 15 ኣዋርሕ ንሓደ ሚልየን ተገልገልቲ ንምብፃሕ ከምዝተተለመ እተን ምኒስተር ሓቢረን።

ኣብቲ ፕሮግራም ሚኒስቴር ጥዕና ነቲ ስርዓት ንምምሕያሽ ጠመተ ብምሃብ ኣብ ረብሓ ብዝውዕለሉ መልክዕ  ምስ  ናይ ኤሌትሪክ ሓበሬታ ስርዓትን DHIS 2 ብዝናበበሉ መልክዕ ዝኸድ ፕሮግራም ከምዝኾነ ዶክተር ሊያ ሓቢረን ።

ኣብ መወደእታ ዶ/ር ሊያ እቲ ፕሮግራም ዕላዊ ንኽኾን ንዝሰርሑ ንማስተር ካርድ፣ ለጋቪ ንጄኤስአይ ከምኡ እውን ሓገዝ ንዝገበሩ ትካላት ኣመስጊነን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.