Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ሓበሬታ ጥዕና ብምዝማን ኣብ ትንተና ስግኣት ሓደጋ ጥዕናን ምላሽን ምውዓል ይግባእ – ዶ/ር መቅደስ ዳባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ምንቅስቓስ ስራሕ ኢኒስቲትዩትን ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ተዓዚበን፡፡

ኣብ ዑደተን ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኢንስቲትዩት ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ላቦራቶሪታት ዝርከቡሉ እዋነዋ ከይዲ ስራሕ፣ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከቡን ኣፈፃፅማኦም ዝምልከትን መብርሂ ተገይሩለን።

ኣብቲ ትካል ዝስርሑ ምርምራት ሳይንስ ምግቢን ስነ-ምግቢን፣ ሃገር ለኸ እዋናዊ ብርኪ ላብራቶሪ፣ ብሄራዊ መተሓባበሪ ምላሽ ሓደጋን ሃገራዊ ሓበሬታ ጥዕናን ብዝምልከት እውን ገለፃ ተገይሩ፡፡

ዶክተር መቅደስ ዳባ÷ ብዝተዋደደ መልክዑ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ብምንኣድ÷ ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ኣቐሚጠን።

“በዚ ድማ ዓቕሚ ናብ ዝለዓለ ዲጂታላይዜሽን ብምዕባይ ናይ ዜጋታት ጥዕና ተንከፍ ሓበሬታታታት ምስ ብሄራዊ መታወቂያ ምትእስሳር ይግባእ” ኢለን፡፡

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህሉ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ጥዕና ትንተናን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ኣብሪሀን፡፡

ብካሊእ መዳይ ንምክልኻል ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥዕናን ኣወሃህባ ምላሽን ሓበሬታታት ጥዕና ዲጂታላይዝ ምግባር ከምዝግባእ ኣፅንኦት ምሃበን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.