Fana: At a Speed of Life!

ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ዓቕሚ እቲ ትካል ብምዕባይ እዋናዊን ተኣማኒን ሓበሬታታት ብፍሉይ ኣቀራርባ ንምትሕልላፍ ዘኽእል ኢዩ- ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ፋና ብሮካስቲንግ ኮርፖሬት ዘሕነፆ ሓዱሽ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ዓቕሚ እቲ ትካል ኣብ ምዕባይ እዋናዊን ተኣማኒን ሓበሬታታት ብፍሉይ ኣቀራርባ ንምትሕልላፍ ዘኽእል ኢዩ ክብሉ ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘህነፆ ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ዴኤታ ከበደ ዴሲሳ፣ ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ረኺቦም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ዓቕሚ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ብዝበለፀ ክብ ዘብል ስቲዲዮ ፋና ላምሮት ደረጅኡ ሓሊዩ ብምህናፅ ብምምራቑ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሎም።

ስቱዲዮ ፋና ላምሮት ዓቕሚ እቲ ትካል ኣብ ምዕባይ እዋናዊን ተኣማኒን ሓበሬታታት ብፍሉይ ኣቀራርባ ንምትሕልላፍ ዘኽእል ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.