Fana: At a Speed of Life!

ስትራቴጂ ሎጂስቲክስ ተግባራዊ ምግባር ፀገማት እቲ ዓውዲ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስትራቴጂ ብሄራዊ ሎጂስቲክስ ተግባራዊ ምግባር ኣብ ኣሰራርሓ እቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ ምዃኑ በዓል መዚ ጉዳያት ማሪታይም ገሊፁ።

ስትራቴጂ 10 ዓመት ብሄራዊ ሎጂስቲክስ ብብርኪ ሃገር እናተዳለወ ምፅንሑ ዝፍለጥ እንትኸውን፥ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ እናተተግበረ ዝርከብ ስትራቴጂ ብፍላይ ኣብ ስርዓት ሎጂስቲክስ ይረኣዪ ዝነበሩ ፀገማት ብምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣይተ መኮንን ኣበራ፥ ኣብ ሎጂስቲክስ ዘለዉ መሰረተ ልምዓታት ምስ ዕቤት ኣታዊን ወፃኢን እታ ሃገር ዝመጣጠን ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ ኣቑሑት ብቕልጡፍ ኣብ ምእታውን ኣብ ምውፃእን ዘዝተሓዋወሱን ምዕሩይ ዘይኮኑን ኣሰራርሓታት ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።

ካብ መራኽብ ዝራገፉ ኣቑሑት ብቕልጡፍ ንምልዓል ውሱንነት ዓቕሚ ምህላዉ ካሊእ ፀገም ምዃኑ እውን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ መሰረተ ልምዓት መገዲ ባቡርን መኪናን፥ እናዓበየ ምስ ዝመፅአ ወፃኢን ኣታዊን ኣቑሑት ወደብ እንትነፃፀር ዝመጣጠን ኣይኮነን ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ ስትራቴጂ ሎጂስቲክስ ክህሉ ምግባሩ ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ዝነበሩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ እቶም ዋና ዳይሬክተር ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ትልሚ ዕቤትን ትራንሰፎርሜሽንን ኣብ ኢትዮጵያ ብኮንቴነር ተዓሺጎም ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ኣቑሑት ሸውዓተ ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ሎሚ ዘበንን ግን 52 ሚኢታዊ ኣብ ሃገር ውሽጢ ብምዕሻግ ምልኣኽ ከምዝተኸኣለ ተዛሪቦም።

ስትራቴጂ ብሄራዊ ሎጂስቲክስ ተግባራዊ ምግባሩ ድማ ዝበለፀ ውፅኢታዊ እናገበሮ ከምዝኾነ ገለፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካውንስል ብሄራዊ ሎጂስቲክስን ቢሮ ሎጂስቲክስን ትራንስፎርሜሽንን ዝተጣየሹ እንትኾኑ፥ እዚ ድማ ንዕቤትን ውፅኢታዊነትን እቲ ዓውዲ ርኡይ ግደ ኣለዎ ምባሎም ካብ ገዜኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.