Fana: At a Speed of Life!

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነባር ጋዜጠኛን ተጋዳሊትን ነፃነት ኣስፋው ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስነ-ስርዓት ቀብሪ ነባር ጋዜጠኛን ተጋዳሊትን ነፃነት ኣስፋው ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ትግራይ ተፈፂሙ።

ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው፥ ኣብ 1970ታት ጋዜጠኛ ሬዲዮ ጀርመን ዝነበት እንትትከውን፥ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብስርዓት ደርጊ ዝበፅሕ ዝነበረ በደልን ግፍዕን ንምቅላስ ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህወሓት) ተፀምቢረን ግቡኣ ፈፂመን ኢየን።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ድማ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሓበሬታ ፌዴሪኢ፣ ዳይሬክተር ዓውዲ ሰላምን ፀፅታን ኢጋድን ሓጋዚት ተፀዋዒት መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ብምዃን ከምዘገልገለት ይፍለጥ።

ኣስክሬን ስውእቲ ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ሎሚ መዓልቲ 1 መጋቢት 2012ዓ.ም ናብ መቐለ ዝኣተወ እንትኸውን፥ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሕ ድማ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ።

እቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ድማ ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 9:00፥ ምትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ነበርቲ ከተማ መቐለን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ከተማ መቐለ መቓብር ተጋደልትን ሓርበኛታትን ትግራይ ተፈፂሙ።

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፊነት ስራሕ መንግስቲን ብምዃን ንህዝብን ሃገርን ክተገልግል ዝፀንሐት ገዲም ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ብዝሓደራ ሕማም ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረላ ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ዕለት 30 ለካቲት 2012 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላያ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብሕልፈት ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፥ ንመላእ ስድራ ቤተን፣ ፈተውተንን ኣዝማደንን ፅንዓት ተመንዩ ኢዩ።

ብተወሳኺ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፥ ብዘጋጠማ ሕማም ብመስዋእቲ ንዝተፈለየት ተጋዳሊት ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብሽም መንግስቲን ህዝቢ ትግራይን ምግላፁ ይዝከር።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.